ስርዓታዊ ስነ-መለኮት እንታይ እዩ?

ሕቶ ስርዓታዊ ስነ-መለኮት እንታይ እዩ? መልሲ ስርዓታዊ ማለት፡ብኣገባብ ዝቘመ ነገር እዩ። ስርዓታዊ ስነመለኮት ክብሃል ከሎ ፡ እቲ ስነመለኮት ናብ ኣገባባትን እቲ ዓውዲ ዝሽፍኖ ዝተፈላለየ ክፋላትን ተመቓቒሉ ዝቐርብ እዩ። ንኣብነት ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ ኲሉ ሓበሬታ ይህቡ እዮም። ስርዓታዊ ስነመለኮት ካብ ኲሉ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝተዋጽአ ናይ መላእኽቲ ሓበሬታ ፡ ናብ ኣገባብ ስነ-መላእኽቲ…

ሕቶ

ስርዓታዊ ስነ-መለኮት እንታይ እዩ?

መልሲ

ስርዓታዊ ማለት፡ብኣገባብ ዝቘመ ነገር እዩ። ስርዓታዊ ስነመለኮት ክብሃል ከሎ ፡ እቲ ስነመለኮት ናብ ኣገባባትን እቲ ዓውዲ ዝሽፍኖ ዝተፈላለየ ክፋላትን ተመቓቒሉ ዝቐርብ እዩ። ንኣብነት ፡ ብዙሓት መጻሕፍቲ መጽሓፍ ቅዱስ ብዛዕባ መላእኽቲ ኲሉ ሓበሬታ ይህቡ እዮም። ስርዓታዊ ስነመለኮት ካብ ኲሉ መጻሕፍቲ ናይ መጽሓፍ-ቅዱስ ዝተዋጽአ ናይ መላእኽቲ ሓበሬታ ፡ ናብ ኣገባብ ስነ-መላእኽቲ ኣቀናቢሩ የቕርቦ፡፡ እዚ እዩ እቲ ስርዓታዊ ስነመለኮት ዝብሃል ፡ ንትምህርታት መጽሓፍ-ቅዱስ ናብ ኣገባባት ከፋፊሉ ይጥርንፎ።

ስነ-መለኮት ተጸውዖ ወይ ስነኣባታዊ ፡ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ኣቦ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። ስነ-ክርስቶስ ብዛዕባ እግዚኣብሄር ወልድ ፡ ጎይታ የሱስ ክርስቶስ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ። ስነ-መንፈስ ቅዱስ ፡ ብዛዕባ መንፈስ ቅዱስ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ። ስነ-መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ብዛዕባ መጽሓፍ ቅዱስ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። ስነ-ድሕነት ፡ ብዛዕባ ድሕነት ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ፡፡ ስነ-ኤቕላስያ ፡ ብዛዕባ ቤተክርስትያን ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። ስነ-ምጽኣት ፡ ብዛዕባ ምጽኣት ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ። ስነመላእኽቲ ፡ ብዛዕባ መላእኽቲ ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። ክርስትያናዊ ስነ-ኣጋንንቲ ፡ ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ዝግበር መጽናዕቲ ኣጋንንቲ እዩ። ክርስትያናዊ ስነ-ሰብ ፡ ብክርስትያናዊ ኣረኣእያ ዝግበር መጽናዕቲ ሰብኣውነት እዩ። ስነ-ተኣብሶ ፡ብዛዕባ ሓጢኣት ዝግበር መጽናዕቲ እዩ። ስርዓታዊ ስነመለኮት ፡ ንመጽሓፍ ቅዱስ ክንርድኦን ብጥርንፍ ዝበለ ኣገባብ ክንምህረሉን ይሕግዘና እዩ።

ተወሳኺ ናይቲ ስርዓታዊ ስነመለኮት ፡ ብካልእ መገድታት እውን ስነመለኮት ክከፋፈል ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱሳዊ ስነመለኮት ፡ ንሓደ ዝተወሰነ መጽሓፍ (ወይ መጻሕፍቲ) ናይ መጽሓፍ ቅዱስ ፡ ኣብቲ ንሱ ዝግደሰሉ መዳያት ስነመለኮት የተኲር። ንኣብነት፡ ወንጌል ዮሃንስ ኣብ ኣምላኽነት ክርስቶስ ስለዘተኲር፡ ኣዝዩ ስነ-ክርስቶሳዊ እዩ (ዮሃንስ 1፡1,14 ፥ 8፡58 ፥ 10፡30 ፥ 20፡28 )። ታሪኻዊ ስነመለኮት ፡ መጽናዕቲ ዶክትሪናት ኰዩኑ ፡ ኣብ መዋእል ቤተክርስትያን ከኣ ከመይ ከምዝማዕበለን እዩ ዝዝቲ ፡፡ ዶግማዊ ስነመለኮት ፡ ንዶክትሪን ናይ ገለ ጉጅለታት ቤተክርስትያናት ዝግበር መጽናዕቲ እዩ ፡ ነቲ ናተን ስርዓታዊ ስነመለኮት ፡ንኣብነት ፡ ካልቪናዊ ስነመለኮትን መዋእላዊ ስነመለኮትን። ዘመናዊ ስነመለኮት ፡ ኣብዚ ቀረባ ግዜ ዝማዕበለ ወይ ኣገዳሲ ክኸውን ዝጀመረ መጽናዕቲ ዶክትሪን እዩ። ኣገባብ ኣጸናንዓ ስነመለኮት ብዘየገድስ ፡ እቲ ዘገድስ ፡ እቲ ዝጽናዕ ዘሎ ስነመለኮት እዩ ።

[English]



[ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ]

ስርዓታዊ ስነ-መለኮት እንታይ እዩ?

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.