ኣግኖስቶሳዊነት/ህላውነት ኣምላኽ ምጥርጣር እንታይ እዩ?

ሕቶ ኣግኖስቶሳዊነት/ህላውነት ኣምላኽ ምጥርጣር እንታይ እዩ? መልሲ ኣግንሶስቶሳዊነት ዝብሃል ናይ ኣምላኽ ህላውነት ክፍለጥ ወይ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣረኣእያ እዩ። እዚ “ኣግኖስቶሳዊ” ዝብል ቃል ብቐንዱ “ብዘይ ፍልጠት” ማለት እዩ። ኣግኖስቶሳዊነት ዝያዳ ካብ ናይ ኣተይዝም/እምነት ኣልቦነት ኣተሓሳስባ ቅኑዕ እዩ። ኣተይዝም/እምነት ኣልቦነት ኣምላኽ የሎን እዩ ዝብል–ዘይረጋገጽ መርገጺ። ኣጎኖስቶሳዊነት ግን ህላውነት ኣምላኽ ክረጋገጽ ኣይክእልን ይብል ከምኡ ድማ የለን…

ሕቶ

ኣግኖስቶሳዊነት/ህላውነት ኣምላኽ ምጥርጣር እንታይ እዩ?

መልሲ

ኣግንሶስቶሳዊነት ዝብሃል ናይ ኣምላኽ ህላውነት ክፍለጥ ወይ ክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ ዝብል ኣረኣእያ እዩ። እዚ “ኣግኖስቶሳዊ” ዝብል ቃል ብቐንዱ “ብዘይ ፍልጠት” ማለት እዩ። ኣግኖስቶሳዊነት ዝያዳ ካብ ናይ ኣተይዝም/እምነት ኣልቦነት ኣተሓሳስባ ቅኑዕ እዩ። ኣተይዝም/እምነት ኣልቦነት ኣምላኽ የሎን እዩ ዝብል–ዘይረጋገጽ መርገጺ። ኣጎኖስቶሳዊነት ግን ህላውነት ኣምላኽ ክረጋገጽ ኣይክእልን ይብል ከምኡ ድማ የለን ኢልካ ውን ከተረጋግጽ’ውን ኣይክኣልን እዩ ይብል። በዚ ድማ ኣጎኖስቶሳዊነት ብተመክሮ ክረጋገጽ ወይ ዘይክረጋገጽ ኣይክእልን እዩ።

መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝነግረና ኣምላኽ ከምዘሎ ብእምነት ክንቅበሎ ኣሎና። እብራውያን 11፡6 ብዘይ እምነት “ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።” ይብል። ኣምላኽ መንፈስ እዩ (ዮሃንስ 4፡24) ስለዘ ክረአ ወይ ክትሓዝ ኣይክኣልን። ኣምላኽ ርእሱ ክገልጽ እንተዘይፈትዩ ንስሚዒታትና ኣይረአን እዩ (ሮሜ 1፡20)። መጽሓፍ ቅዱስ ከምዝምህረና ህላውነት ኣምላኽ ኣብ ኣድማስ/ሰማያት ብንጹር እዩ ዝረአ (መዝሙር 19፡1-4)፡ ኣብ ተፈጥሮ ይድህሰስ (ሮሜ 1፡18-22) ከምኡ ድማ ኣብ ልብታትና ነረጋግጾ (መክብብ 3፡11)።

ኣግኖስቶሳውያን ንህላውነት ኣምላኽ ድዮም ዝድግፉ ወይ ኣንጻሩ እዮም ውሳኔ ክገብሩ ፍቓደኛታት ኣይኮኑን። መርገጺኦም “ሞንጎ ሞንጎ ሓጹር ሙዃን” እዩ ዝኸውን ዘሎ። ትይስትስ/ህልውና ኣምላኽ ዝቕበሉ ኣምላኽ ኣሎ ይብሉ። ኣተይስትስ/እምነት ኣልቦ ድማ ኣምላኽ የሎን ይብሉ። ኣግኖስቶሳውያን ከኣ ኣብ ህላውነት ኣምላኽ ክንኣምን ወይ ዘይክንኣምን የብልናን ኢሎም ይኣምኑ ምኽንያቱ ብክልቲኡ መገዲ ክትፈልጦ ዘይክኣል እዩ ይብሉ።

ንስለ ክትዕ ክንብል፡ እቲ ንጹርን ዘይክሓድን መርትዖታት ህላውነት ኣምላኽ ሰው እስከ ከነብል። ንመርገጺታት ተይዝምን(ህላውነት ኣምላኽ ዝኣምን) ከምኡ’ውን ኣግኖስቶሳውነት (ዝጠራጠርን) ኣብ ሓደ መርገጺ ደው እንተኣቢልናዮም፡ ኣየናይ ብዛዕባ ተኽእሎ ድሕሪ ሞት ዘሎ ሂወት ንምእማን ዝያዳ የረድእ? ኣምላኽ እንተድኣ ዘየሎ ኮይኑ፡ ተይዝምን(ህላውነት ኣምላኽ ዝኣምን) ከምኡ’ውን ኣግኖስቶሳውነት (ዝጠራጠርን) ምስ ሞቱ ይጠፍኡ። ኣምላኽ ኣሎ ኣንተኾይኑ ግን ክልቲኦም ተይዝምን(ህላውነት ኣምላኽ ዝኣምን) ከምኡ’ውን ኣግኖስቶሳውነት (ዝጠራጠርን) ምስ ሞቱ መልሲ ክህብዎ ዘለዎም ሓደ ነገር ኣሎ። ካብ’ዚ ኣጠማምታ ብምብጋስ፡ ፍሉጥ እዩ ሓደ ተይስት(ህላውነት ኣምላኽ ዝኣምን) ዝያዳ ስሚዒት ይህብ ካብ ሓደ ኣግኖስቶሳዊ (ዝጠራጠርን)። እንተዳኣ ክልቲኡ መርገጺ ክረጋገጽ ወይ ዘይክረጋገጽ ኪኢሉ፡ እቲ መወዳእታ ዘይብሉን ንዘልኣለም ድማ ተደላዪ ዝኾነ ናይ መጨረሻ ውጺኢት ብዘሎካ ጌርካ ንብሙሉኡ ነቲ መርገጺ ምምርማር ምፍታን ልቦና ዘለዎ ይምስል።

ሕርኽርኽ ክብለካ ንቡር እዩ። ብዙሓት ነገራት ኣለው ኣብ’ዛ ዓለም ክንርድኦም ዘይንኽእል። ኩሉ ግዜ ድማ ሰባት ንህላወ ኣምላኽ ዝጠራጠሩ ከኣ እቲ ንሱ ዝገበሮ ወይ ዘፍቅዶ ስለዘይርድኦም ወይ ድማ ምስኡ ስለዘይሰማማዑ እዩ። እንተኾነ ግን ከም ድሩታት ፍጡራት ነቲ ደረት ኣልቦ ኣምላኽ ንክንርድኦ ክንክእል ኣይንጸበ። ሮሜ 11፡33-34 ከም’ዚ ኢሉ የስተንክር “ወዳጄ፡ መዓሙቝ ሃብቲ ኣምላኽን ጥበቡን ፍልጠቱን፡ ክንደይ ዘይምርመር ኮታ እዩ ፍርዱ፡ ክንደይ ብኣሰር ኣሰር ዘይርከብ እዩ መገዱ። ሓሳብ እግዚኣብሄር ዝፈልጥ መን እዩ፧ ወይስ መን እዩ ዘማኸሮ፧”

ንኣምላኽ ብእምነት ክንኣምኖ ኣሎና መገድታቱ ውን ብእምነት ክንውከሎ ኣሎና። ኣምላኽ ነቶም ዝኣምንዎ ገዛእ ርእሱ ብዘገርም ክገልጽ ድሉውን ፍቓደኛን እዩ። ዘዳግም 4፡29 “ካብኡ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እንተ ደሌኻዮ፡ ብዂሉ ልብኻን ብዂሉ ነፍስኻን እንተ ደሌኻዮስ፡ ክትረኽቦ ኢኻ። ።”

[English]



[ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ]

ኣግኖስቶሳዊነት/ህላውነት ኣምላኽ ምጥርጣር እንታይ እዩ?

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.