ክርስትያናዊ ጾም- መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል?

ሕቶ ክርስትያናዊ ጾም- መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል? መልሲ መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ክጾሙ ኣይእዝዝን እዩ። ኣምላኽ ነዚ ካብ ክርስትያናት ኣይሓትትን ወይ ኣይጠልብን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾም ከም ሓደ ጽቡቕ፡ ረብሓ ዘለዎን ጠቓምን ነገር ጌሩ የቕርቦ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣመንቲ ቅድሚ ኣገዳሲ ውሳኔ ምግባሮም ከምዝጾሙ ይሕብር (ግብሪሃዋርያት 13፡2 14፡23)። ጾምን ጾሎትን ብዙሕ ግዜ ዝተተሓሓዙ እዮም (ሉቃስ…

ሕቶ

ክርስትያናዊ ጾም- መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል?

መልሲ

መጽሓፍ ቅዱስ ክርስትያናት ክጾሙ ኣይእዝዝን እዩ። ኣምላኽ ነዚ ካብ ክርስትያናት ኣይሓትትን ወይ ኣይጠልብን እዩ። ብተመሳሳሊ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ንጾም ከም ሓደ ጽቡቕ፡ ረብሓ ዘለዎን ጠቓምን ነገር ጌሩ የቕርቦ። መጽሓፍ ግብሪ ሃዋርያት ኣመንቲ ቅድሚ ኣገዳሲ ውሳኔ ምግባሮም ከምዝጾሙ ይሕብር (ግብሪሃዋርያት 13፡2 14፡23)። ጾምን ጾሎትን ብዙሕ ግዜ ዝተተሓሓዙ እዮም (ሉቃስ 2፡37፡ 5፡33)። ዝበዝሕ ግዜ፡ ኣቶኩሮ ናይ ጾም ኣብ ምግዳፍ መግቢ እዩ። ከምኡ ዘይኮነ ግን፡ ዕላማ ናይ ጾም ንኣዒንትኻ ካብ ነገራት ናይ’ዛ ዓለም ኣሊኻ ጠቕላላ ናብ ኣምላኽ ምቱኳር እዩ። ጾም ንሕና ብዛዕባ ምስ ኣምላኽ ዘለና ርክብ ዕቱባት ሙዃንና ንኣምላኽን ንገዛእ ርእስናን ነርእየሉ መገዲ እዩ። ጾም ሓድሽ ኣመለኻኽታን ዝተሓደሰ ሙርኩስ ኣብ ኣምላኽ ንክንረክብ ይሕግዘና።

ኣብ ጽሑፍ ጾም ማለት ዳርጋ ካብ መግቢ ሙጻም ማለት ኣኳ እንተኾነ፡ ካልኦት መገድታት ናይ ሙጻም ድማ ኣለው። ምእንቲ ኩሉ ኣድህቦና ናብ ኣምላኽ ከድህብ ዝኾነ ነገር ንግዚኡ ምግዳፍ ከም ጾም ክቑጸር ይኽእል እዩ (1 ቆሮንጦስ 7፡1-5)። ጾም ኣብ ዝተሓንጸጸ ግዜ ክውሰን ኣለዎ፡ እዚ ከኣ ብፍላይ ካብ መግቢ ክትጸውም ከለኻ እዩ። ዝተናውሐ ግዜታት ብዘይ መግቢ ን ኣካላትና ጎዳኢ ክኸውን ይኽእል እዩ። ጾም ንስጋ ንምቕጻዕ ኣይኮነን ተመዲቡ፡ እንታይ ደኣ ኣድህቦና ዳግም ናብ ኣምላኽ ንምቕናዕ እዩ። ጾም ውን ከም ናይ “ዳይት መግበሪ ኣገባብ” ክሕሰብ የብሉን። ዕላማ ናይ መጽሓፍ ቅዱሳዊ ጾም ክብደት ንምቕናስ ኣይኮነን፡ እንታይ ደኣ ዝዓሞቐ ሕብረት ምስ ኣምላኽ ንምርካብ እዩ። ዝኾነ ሰብ ክጸውም ይኽእል እዩ፡ ኮይኑ ግን ገለ ሰባት ካብ መግቢ ክጾሙ ዘይክእሉ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም (ንኣብነት፡ ሕማም ሽኾር)።ነፍሲ-ወከፍ ሰብ ናብ ኣምላኽ ጥብቕ ኢሉ ንምቕራብ ንግዚኡ ሓደ-ነገር ክገድፍ ይኽእል እዩ።

ንሕና ኣዒንትና ካብ ነገራት ናይ’ዛ ዓለም ብምልጋስ፡ ኣድህቦና ዝያዳ ብዓወት ናብ ክርስቶስ ከንብሎ ንኽእል ኢና። ጾም ንኣምላኽ ናብ’ቲ ዝደለናዮ ነምጽኣሉ መገዲ ኣይኮነን። ጾም ንዓና እምበር ንኣምላኽ ኣይልውጦን እዩ። ጾም ካብ ካልኦት ዝያዳ መንፈሳውያን መሲልና ንርኣየሉ መገዲ ኣይኮነን። ጾም ብመንፈስ ትሕትናን ሕጉስ ሓሳብን ክግበር ዘለዎ። ማቴዎስ 6፡16-18 ከምዝገልጾ፡ “ክትጸሙ ኸሎኹም፡ እቶም ግቡዛት፡ ጽዋሞት ምዃኖም ብሰብ ምእንቲ ኺርኣዩ፡ ገጾም የጸምልዉ እዮም እሞ፡ ከማታቶም ጽምልዋት ኣይትኹኑ። ዓስቦም ከም ዝወሰዱ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ንስኻስ ክትጸውም ከሎኻ፡ ጽዋማይ ምዃንካ በቲ ኣብ ሕቡእ ዘሎ ኣቦኻ ደኣ እምበር፡ ብሰብ ምእንቲ ኸይትርኤ፡ ርእስኻ ተለኸ፡ ገጽካውን ተሐጸብ። እቲ ብሕቡእ ዚርኢ ኣቦኻ ድማ ብግህዶ ኪኽሕሰካ እዩ።”

[English]



[ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ]

ክርስትያናዊ ጾም- መጽሓፍ ቅዱስ እንታይ ይብል?

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.