ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ብሓደ ክነብሩ ጌጋ ድዩ?

ሕቶ ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ብሓደ ክነብሩ ጌጋ ድዩ? መልሲ መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ ኣብ ትርጉም ናይ “ብሓደ ምንባር” ይሙርኮስ። እንተድኣ ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ዝምድና ኮይኑ፡ ብርግጽ ጌጋ እዩ። ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምስ ካልኦት ዓይነትታት ጾታዊ ዘይስነምግባራት ብተደጋጋሚ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኾኒኑ ዘሎ (ግብሪሃዋርያት 15፡20፡ ሮሜ 1፡29፡ 1 ቆሮንጦስ 5፡1፡ 6፡13፡ 18፡ 7፡2፡ 10፡8…

ሕቶ

ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ብሓደ ክነብሩ ጌጋ ድዩ?

መልሲ

መልሲ ናይ’ዚ ሕቶ ኣብ ትርጉም ናይ “ብሓደ ምንባር” ይሙርኮስ። እንተድኣ ጾታዊ ርክብ ዘለዎ ዝምድና ኮይኑ፡ ብርግጽ ጌጋ እዩ። ቅድሚ መርዓ ጾታዊ ርክብ ምስ ካልኦት ዓይነትታት ጾታዊ ዘይስነምግባራት ብተደጋጋሚ እዩ ኣብ መጽሓፍ ቅዱስ ተኾኒኑ ዘሎ (ግብሪሃዋርያት 15፡20፡ ሮሜ 1፡29፡ 1 ቆሮንጦስ 5፡1፡ 6፡13፡ 18፡ 7፡2፡ 10፡8 2 ቆሮንጦስ 12፡21 ገላትያ 5፡19 ኤፌሶን 5፡3 ቆሎሴ 3፡5፡ 1 ተሰሎንቄ 4፡3 ይሁዳ 7)። መጽሓፍ ቅዱስ ን ፍጹም ምሕራም ካብ መርዓ ወጻኢ ከምኡ’ውን ቅድሚኡ ንዘሎ ግዜ የተባብዕ። ጾታዊ ርክብ ቅድሚ መርዓ ልክዕ ከም ዝሙትን ካልኦት ጾታዊ ዘይስነምግባራትን ጌጋ እዩ፡ ምኽንያቱ ኩሎም ምስ ዘይተመርዓኻዮ ሰብ ጾታዊ ርክብ ምግባር ስለዘለዎም።

“እንተድኣ ብሓደ ምንባር” ማለት ኣብ ሓደ ገዛ ምንባር ኮይኑ፡ እዚ ካልእ ጉዳይ እዩ። ኣብ መወዳእታ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ኣብ ሓደ ገዛ ክነብሩ ጸገም የብሉን–እንተዳኣ ዝኾነ ዘይሞራላዊ ነገር ዘይተኻይዱ እዩ። ኮይኑ ግን፡ ገና ተርእዮ ናይ ዘይሞራላዊ ነገር ስለዘሎ ግን እቲ ሽግር ይልዓል (1 ተሰሎንቄ 5፡22፡ ኤፌሶን 5፡3)፡ እዚ ድማ ዓቢ ፈተና ን ዘይሞራላዊ ነገር ክኸውን ይኽእል እዩ። መጽሓፍ ቅዱስ ካብ ዘይሞራላዊ ነገር ክንሃድም ገዛእ ርእስና ድማ ናብ ቀጻሊ ፈተናታት ናብ ዘይሞራላዊ ነገር ከይነቃላዕ ይነግረና (1 ቆሮንጦስ 6፡18)። ካብ’ኡ ድማ ናይ ዝርእየካ ሰብ ሽግር ድማ ኣሎ። ብሓደ ዝነብሩ ወድን ጓልን ብሓደ ይድቅሱ ከም ዘለው እዩ እቲ ግምት–እዚ ከኣ ናይ ባህሪ ነገር እዩ። ዋላ’ኳ ኣብ ሓደ ገዛ ምንባር ንባዕሉ ሓጥያት እንተዘይኮነ፡ ኣብ’ኡ ግን ናይ ሓጥያት ምስሊ ኣሎ። መጽሓፍ ቅዱስ ተርእዮ ክፉእ ነገር ከነወግድ ይነግረና (1 ተሰሎንቄ 5፡22፡ ኤፌሶን 5፡3)፡ካብ ዘይሞራላዊ ነገር ክንሃድምን ንዝኾነ ሰብ ድማ ክዕንቀፍ ወይ ከኾሪ ዝኽእል ነገር ክንገብር የብልናን። ከም ውጺኢቱ ድማ፡ ሰብኣይን ሰበይትን ካብ መርዓ ወጻኢ ብሓደ ክነብሩ ንኣምላኽ ዘኽብር ኣይኮነን።

[English]



[ናብ ናይ ትግርኛ ገጽ ክትምለሱ እንተደሊኹም ኣብዚ ክኪክ ግበሩ/ጠውቑ]

ወድን ጓልን ቅድሚ መርዓ ብሓደ ክነብሩ ጌጋ ድዩ?

Similar Posts

Leave a Reply

Your email address will not be published. Required fields are marked *

This site uses Akismet to reduce spam. Learn how your comment data is processed.